እንቋዕ ናብ Siham Academy ብደሓን መጻእካ።

🌿 ሓንቲ ውልቃዊት ርክብ ምስ ሲሃም


እዛ ርክብ ንዓኺ ትሰማማዕ እንተደኣ፦


✔️ ኣብ ርክባትኪ ጸገም ኣለኪ።

✔️ ፍርሒ፣ ጭንቀት፣ ሓዘን ወይ ምጥርጣር ይስምዓኪ።

✔️ ብዙሕ ግዜ ትሓስቢ ግን ውሳነ ምውሳድ ይኸብደኪ።

✔️ ኣብ ህይወትኪ ደጋጊምኪ ተመሳሳሊ ጸገማት ትረኽቢ።

✔️ ምስ ገለ ሰባት ቁጥዐ፣ ቂምታ ወይ ስቓይ ትስምዒ እሞ ካብኡ ምውጻእ ይኸብደኪ።

✔️ ሂወትኪ ኣብ ቦታኣ ደው ኢላ ከም ዘላ ይስምዓኪ።


🌱 ኣብዛ ርክብ እንታይ ክንገብር?

እዛ ርክብ ንምኽሪ ጥራይ ኣይኮነትን።

ብሓባር ኮይና፣

✅ እቲ ብሓቂ ዘሻቕለኪ ነገር ክንርዳእ።

✅ እቲ ጸገም ደጋጊሙ ንምንታይ ከም ዝምለስ ክንመርምር።

✅ ንርእስኺ፣ ንስምዒታትኪን ንውሳነታትኪን ብዝያዳ ክትርድኢ ክንሕግዘኪ።

✅ ድሕሪ እታ ርክብ ክትጅምርዮ እትኽእሊ ግብራዊ ስጉምቲ ክንውስን።



🌿 ዕላማይ ጸገምኪ ጥራይ ምዝራብ ኣይኮነን።

ዕላማይ ንርእስኺ ብዝያዳ ክትርድኢ፣ እቲ ኣብ ህይወትኪ ደጋጊሙ ዝድገም ነገራት ክትርእዪ፣ ከምኡ ድማ ብንቕሓት ናብ ለውጢ ክትጅምሪ እዩ።


⏰ 60 ደቒቕ – Zoom

💰 109 USD


👇 ሕጂ ርክብኪ ሕዝኢ


ትግርኛ

WhatsApp ንኣገልግሎት ምምራጽን ክፍሊት ምፍጻምን ሓገዝ ጥራይ እዩ፤ ንነጻ ምኽሪ ኣይኮነን።

العربية

واتساب مخصص للمساعدة في اختيار الخدمة أو الدفع، وليس للاستشارات المجانية.

English

WhatsApp is only for booking and payment support, not for free consultations.



ሲሃም ጀማል ይበሃል – ኣሰልጣኒ ኣእምሮን መስራቲ ሲሃም ኣካዳሚን እየ ።

ሰባት ናብ ገዛእ ርእሶም ዝምለሱሉ መንገዲ ክረኽቡ፡ ውሽጣዊ ሓይሊ ክሃንጹን ዝያዳ ትርጉምን ሚዛንን ሒዞም ክነብሩን እሕግዞም።

ኣነ ሲሃም


ሲሃም እበሃል።
መስራቲት Siham Academy፣ ናይ ህይወት ኣሰልጣኒትን ዝተመስከረላ ናይ ኣእምሮ ኣሰልጣኒትን እየ።

ሎሚ ንሰባት ርእሶም ክፈልጡ፣ ስምዒታቶምን ድሌታቶምን ክርድኡ፣ ርእሰ-ምትእምማን ክሃንጹ፣ ውሳነታት ብግልጽነት ክወስዱን ሰላም ውሽጢ ልቦም ክረኽቡን እሕግዝ።


ጉዕዞይ


ኣብ ኤርትራ ተወሊደ።
ካብ ሃገረይ ወጺአ፣ ኣብ ሱዳን ነቢረ፣ ሎሚ ድማ ኣብ ሽወደን ይነብር ኣለኹ።

መንገደይ ቀሊል ኣይነበረን።
ሓዘን፣ ምፍልላይ፣ ምድንጋርን ብዙሕ ፈተናታትን ሓሊፈ።

ኣብ ሓደ እዋን ግን ምርጫ ገይረ፦


ክድሕን ጥራይ ዘይኮንኩ፣ ብሓቂ ክነብር መሪጸ።



ኣብ 2020 ናይ ውሽጠይ ጉዕዞ ጀሚረ።
ኣብ ውሽጠይ ድማ ካብ ደገ ክረኽቦ ዘይከኣልኩ ረኺበ፦

ሰላም፣ ግልጽነት፣ ርእሰ-ፍቕሪ፣ ርእሰ-ምትእምማንን ሓይልን።

ካብዚ ተበጊሰ ዕላማ ህይወተይ ተወሊዱ፦
ንኻልኦት እውን ናብ ርእሶም ክምለሱን፣ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ሓይሊ ክረኽቡን ምሕጋዝ።


ቅድሚ ሕጂ ዝሰራሕክዎ


ቅድሚ ሕጂ ምስ ህጻናት ሰሪሐ፣ ቁርኣን ኣምሂረ፣ ኣብ ማሕበራዊን ናይ ምውህሃድን ፕሮጀክታት ተሳቲፈ።

እዞም ተመኩሮታት ንሰባት ምስማዕ፣ ምርዳእን ዝተሓላለኸ ሓሳብ ብቐሊሉ ምግላጽን ኣምሂሮምኒ።


ሎሚ ዝገብሮ


ሎሚ ናይ ህይወት ኣሰልጣኒትን ዝተመስከረላ ናይ ኣእምሮ ኣሰልጣኒትን እየ።

ዕላማይ መልሲ ክህበኩም ኣይኮነን፤
ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መልሲ ክትረኽቡን ንዓኹም ዝሰማማዕ መንገዲ ክትመርጹን ምሕጋዝ እዩ።

🌿 እንቋዕ ናብ Siham Academy ብደሓን መጻእኩም።