0

ኮርስ ሩፍታ

$202.00
Price incl. Moms utbildning (25%) $40.40
In stock
Product Details

🌸 RUFTA – ሩፍታ 🌸

ኣብ ውሽጥኻ ህድኣት ምስ እትረክብ፣ ኣነባብራኻ ክቕየር ይጅምር።

ኣብ ህይወትኻ ብዙሕ ትሓስብ ዲኻ?

ብዘረባ ካልኦት ብቐሊሉ ትጽሎ ዲኻ?

ብፍርሒ፣ ብቑጥዐ ወይ ብጭንቀት ውሳነታት ትወስድ ዲኻ?

ኩሉ ግዜ ትጽዕር፣ ትጎዪ፣ ትሓስብ፤ ግን ኣብ ውሽጥኻ ዕረፍቲ ምርካብ ይኸብደካ ድዩ?

🌿 ህድኣት ማለት ጸገም ዘይብላ ህይወት ምንባር ኣይኮነን።

ህድኣት ማለት፣ ኣብ ማእከል ጸገማት እውን ንነብስኻ ከይትስእን፣ ብንቕሓት ምሕሳብን ምውሳንን ምምሃር እዩ።

ነዚ ንምምሃርን ንምልምማድን፣ Siham Academy ሓድሽ ፕሮግራም RUFTA – ሩፍታ ኣዳልያ ኣላ።

🌸 ኣብዚ ፕሮግራም እንታይ ክንመሃር ኢና?

✨ ናይ ሓቂ ውሽጣዊ ህድኣት እንታይ ምዃኑ።

✨ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ኣብ ውሳነታትና ከመይ ከም ዝጸልዉ።

✨ ምስ ፍርሒ፣ ጭንቀትን ቁጥዐን ከመይ ንመላለስ።

✨ ሰላምና ከይሰኣንና ጥዑይ ዶባት ከመይ ነቐምጥ።

✨ ንህይወትና ብዝያዳ ንቕሓትን ህድኣትን ንምንባር ዝሕግዙና ልምድታት ከመይ ንሃንጽ።

እዚ ፕሮግራም ፍልጠት፣ ንነብስኻ ክትርድእ ዝሕግዙ ሕቶታትን ኣብ መዓልታዊ ህይወትኻ ክትጥቀመሎም እትኽእል ተግባራዊ ልምምዳትን ዝሓዘ እዩ።

🌷 ዝርዝር ፕሮግራም

📅 ዕለት: 7ን 8ን ሕዳር 2026

🕓 ሰዓት: 16:00–19:00 ብሰዓት ሽወደን፣ ኣብ ክልቲኡ መዓልታት

💻 ቦታ: Online – ቀጥታዊ ስልጠና

⏳ ጠቕላላ ግዜ: 6 ሰዓታት

💰 ዋጋ: 202 ዶላር

ህድኣት ድኽመት ኣይኮነን። ህድኣት ንህይወትኻ ብንጹር ክትርኢን ብንቕሓት ውሳነ ክትወስድን ዝሕግዘካ ሓይሊ እዩ። ❤️

🌸 ናብ ውሽጣዊ ህድኣት ዝወስድ ጉዕዞኻ ክትጅምር ድሉው ዲኻ?

SIHAM ACADEMY 🌸

Your journey starts within.

Share this product with your friends
ኮርስ ሩፍታ